ኒው-ደልሂ —
ነበርቲ ርእሰ-ከተማ ህንዲ ዝዀነት ኒው-ደልሂ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብታ ከተማ ብዝተራእየ ዒግታ ትኪን ብኩል ኣየርን ንምንቅስቓስ ኣዝዮም ከም ዝተጸገሙ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሩ። እቲ ዝተራእየ መጠን ብከላ፡ ካብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዕቅኖ መጠን ብ50 ግዜ ዝዓቢ ምዃኑ’ዩ እቲ ዜና ዘረድእ።
ኣብታ ኣስታት 30-ሚልዮን ነበርቲ ዝቕመጡዋ ከተማ ኒው-ደልሂ፡ ሓያሎ ነባሮ መጻረዪ ኣየርን እኹል ቀረባት ዘለዎ ገዛውቲን ስለ ዘይብሎም ነቲ ሓደገኛ ኩነታት ኣየር ንምጻር ከም ዝጽገሙ ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ የረድእ።
ኣቐዲሙ ብጋዜጣ ዘ ኒው-ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ቀንዲ ምንጪ እቲ ብኩል ኣየር ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ብዝተኣከበ ኵምራ ጓሓፍ ምዃኑ’ዩ።
ብምምሕዳር እታ ከተማ ብከላ ኣየር ንምጉዳል ዝተወስደ በበይኑ ስጉምታት ዛጊት ኣዕጋቢ ውጽኢት ኣይተረኽቦን። ካብ መንጎ’ቲ ዛጊት ተኻዪዶም ዘለዎ ፈተነታ ብድሮታት ጌርካ ጽሩይ ማይ ከም ዝሃርም ምግባር ይርከቦ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ብከልታ ንሕማማት ወቕዒ፡ ሕማም ልቢ፡ መንሽሮ ካንሰርን ካልእ ናይ እስትንፋስ ሕማማትን ከስዕብ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ።