ዓለምለኸ ማዕርፎ ነፈርቲ ዋና ከተማ ሀይቲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ዓዋሉ ንግዜኡ ተዓጽዩ

ዓዋሉ ሀይቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዓለምለኸ ማዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ፖርት-ኡ-ፕሪንስ ብዝኸፈቱዎ ተዅሲ እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ክዕጾ ከም ዝተገደደ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ገለ መንገዲ ኣየራት እውን ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስተር ክሳብ ቃለ-ማሕላ ዝፍጸም ኣብታ ሃገር ዝነበረት ስራሓት ንግዜኡ ደው ከምዘበላ ሓቢረን ኣለዋ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኤምባሲ ኣመሪካን ምክትታል በረራ ነፈርቲ እታ ካብ ፍሎሪዳ ናብ ፖርት- ኡ -ፕሪንስ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ቁሩብ ርሕቀት ምስ ተረፋ ካብቶም ዓዋል ተዅሲ ከምዝተኸፍተን ናብ ርፓብሊክ ዶመኒካ ክትዓርፍ ምግዳዳን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝረኸቦም ምስልታትን ቪድዮን እታ ነፋሪት ብጥይት ከምዝተሃርመትን ሓደ ኣባል እቲ መንገዲ ኣየር’ውን ቀሊል ጉድኣት ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ኣመሪካ መስመራት ኣየር ስፕሪት፡ ጄት ብሉንን ናብ ሀይቲ ዘካየድኦ በረራ ምስራዘን ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ታ ዋና ከተማ’ውን ኣብ መንጎ ፖሊስን ጉጅለ ዓዋሉ ግጭት ምልዓሉ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻወን ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ዳሕረዋይ ግጭት ዝረኣ ዘሎ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ን ቀዳማይ ሚንስተር’ታ ሃገር ጋሪ ቦኒል ብምብራር ንበዓል ሞያ ንግዲ ኣሌክ ዲድር ፈሊስ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ድሕሪ ምምዛዙ’ዩ።