ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ቦትስዋና ድሕሪ 58 ዓመታት ዓብላልነት ተጠመንጢሉ

ስዕረቱ ዝተቐበለ ፕረዚደንት ማሲሲ

ቦትስዋና ኣብ ዝገበረቶ ሃገራዊ ምርጫ፡ ንዝሓለፉ 58 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ቦትስዋና ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ። “ጽላል ንደሞክራሲያዊ ለውጢ” ንዝብል ልፍንቲ ዝመርሕ ወዲ-54 ዓመት ዱማ ቦኮ ኣብዚ ምርጫ ክዕወት እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሞክትሲ ማሲሲ ድማ ስዕረቱ ኣሚኑ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ተቐቢሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ማሲሲ ካብ ጽባሕ ቀዳም ኣትሒዙ መስርሕ ምርኽኻብ ከም ዝጅምር ኣመልኪቱ ኣሎ።

እታ ሃገር ካብ እንግሊዝ ኣብ 1966 ናጽነታ ካብ እትረክብ ኣትሒዛ ክመርሕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሎሚ ዝተሳዕረሉ ብሕልፊ ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝርአ ዘሎ ሽቐልት-ኣልቦነትን ተስፋ ምቝራጽን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ቀንዲ እቶታ ካብ ማዕድን ኣልማዝ ዝዀነት ቦትስዋና፡ ዋጋ ኣልማዝ ብዓለም ደረጃ’ውን ምጕድሉ ሓደ ካብ ጠንቅታት ቍጠባዊ ጸገም እታ ሃገር ምዃኑ ሮይተርስ ይሕብር።

ሃገራዊ ቴለቪዥን እታ ሃገር ከም ዘርኣዮ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ካብቲ ተቖጺሩ ዘሎ ድምጽታት ልዕሊ ፍርቂ መናብር ተዓዊቱ ኣሎ።

ሎሚ ዓርቢ ኣብ ርእሰ-ከተማ ጋቦሮነ፡ መጠባዊ ህድኣት ምውዓሉ ሮይተርስ ይሕብር።