ህቦቡላዊ ዝናብ “ትራሚ” ኣብ ፊሊፕነስ 82 ቀቲሉ

“ትራሚ” ዝተሰየመ፡ ንፊሊፕነስ ዝወቕዐ ህቦቡላዊ ዝናብ፡ ሎሚ ዓርቢ ብውሑዱ 82 ሰባት ምቕታሉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። ኣብታ ንሃገር ንመበል 11 ግዜ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ ዝሃርም ዘሎ ህቦቡላዊ ዝናብ፡ ብርቱዕ ውሕጅን ምሃምም መሬትን ስለ ዘስዕበ’ዩ ዜጋታት ዝቐትል ዘሎ።

ብዘይካ እቶም ብውሕጅን ምህማም መሬትን ዝሞቱ ዜጋታት፡ ተወሳኺ 27’ውን ደሃዮም ከም ዘየሎ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ኣመልኪቶም።

ትንበያ ኩነታት ኣየር ፊሊፕነስ፡ እቲ ሓያል መሸንቦባ ዝሓዘለ ዝናብ ደጊሙ ክሃርምን ተመሳሳሊ ምሃማም መሬትን ውሕጅን ከኸትል ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።