ሊቃነ ጳጳሳት ክልል ትግራይ “ቅዱስ ሲኖዶስ ትግራይ” ከም ዝመስረቱ ሓቢሮም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት “ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ” ዝብል ዝሰየምዎ ሲኖዶሰ ከምዘጣየሹ ገሊፆም። ኣቦታት “መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት” ኣብ ከተማ ኣኽሱም ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ እዩ ነዚ መግለጺ ዝሃቡ። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ አይሰመረን።