ዘተ -- ጉድኣታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ እዋን ኲናት

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢንስቲትዩት መጽፅናዕቲ ዝርጋሐ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዲኤኣይኣር (DAIR) ዝሰርሕ ሓደ ጉጅለ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ማሕበራዊ ሚድያ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ጉድኣት ጥዕና ኣመልኪቶም ምርምራዊ መጽናዕቲ የካይዱ'ለዉ። ካብ መንጎ'ቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ኑረዲን ዓሊ ካብ ዩኒቨርስቲ ሚኒስሶታ ኣመሪካ ተመሃራይ ዶክተረይት ዲግሪን ኣባል’ቲ ትካል ዝዀነት ካብ ሽወደን ከኣ ሜሮን እስቲፋኖስን’ዮም ዕዱማትና።