ካልኣይ መዓልቲ ዋዕላ ደምበ ብሪክስ -- ቍጠባ፡ እገዳን ምዕራብን ኲናትን

Your browser doesn’t support HTML5

ብቝጠባ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝሓቘፈ ደምበ ብሪክስ ካብ ትማሊ ስሉስ ጀሚሩ ኣብ ካዛን ሩስያ ይቃናዕ ኣሎ። ኣብዚ ዋዕላ መራሕቲ 22 ሃገራት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ሮይተርስ ኣመልኪቱ። እዘን ሃገራት ን45% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝሽፍና ኰይነን፡ ን35% ናይ ቍጠባ ዓለም ድማ የፍርያ። ፍርያምነት ደምበ ብሪክስ ብ2% ክዓቢ ትጽቢት ዝግበሮ ኰይኑ፡ ናይተን ብቝጠባ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት ድማ 30% ናይ ጠቕላላ ቍጠባ ዓለም ዝቆጻጸራ ምዃነን’ዩ።