ምስ ደራሲ መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ”

Your browser doesn’t support HTML5

ፈለማ ኣብ 1984 ተሓቲማ፡ ካብ ኣንበብቲ ነዊሕ ተኸዊላ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ኤርትራ ብመገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ደጊማ ኣብ 2016 ዝተሓትመት መጽሓፍ “መግዛእቲ ስኞራ፡” ንውልቃዊ ተመኵሮ ደራሲ ኣብ ኢጣልያ እተዘንቱ’ያ። ጸሓፊ ግን ቃለ-መጠየቓት ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ዩ ጸኒሑ። ሕጂ እምበኣር ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ናብ ኖርወይ ተጓዒዙ ዝቐነየ ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ምስቲ ነባሪ ሽወደን ዝዀነ ደራሲ ገብረእግዚኣብሄር ገብረቀመቀል፡ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ረኺቡ የዕሊሉ ኣሎ።