ፕረዚደንት ሶማሊያ ናብ ዩጋንዳ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ንጉዳይ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝታይ ናብ ካምፓላ ዩጋንዳ ሎሚ ቀዳም ኣትዩ ምስ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ክራኸብ’ዩ። ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ክልተ መራሕቲ ጉዳይ ኣብ ሶማል ዝርከቡ፡ ብ”ኣትሚስ” ዝብል ኣሕጽሮ ቃላት ዝፍለጡ ሰራዊት ጎረባብቲ ሃገራት ንምዝታይ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ ተልእኾ ሰራዊት ዝሰደዳ ሃገራት ብሩንዲ፡ ኬንያ፡ ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያን ዩጋንዳን ኰይነን፡ ድሕሪ ናይ ዩጋንዳ መንገሻ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ናብተን ዝተረፋ ጎረባብቲ ሃገራት ንምብጻሕ’ውን መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ካብ ቤት ጽሕፍት ፕረዚደንት ሶማሊያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ሶማሊያ ዓብዱልቃድር ዲገ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ ግን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምብጻሕ መደብ የብሉን።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ውዕል ምስ ሶማሊያን ኣብታ ሃገር ኣሽሓት ወታሃደራታ ኣብ ሶማሊያ ኣዋፊራ ትርከብ። ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ግን ዝምድና ክልተ ሃገራት ኣዝዩ ስለ ዝሻሕከረ፡ ኣብቲ ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ዝጅምር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት፡ ናይ ኢትዮጵያ ወታሃደራት ንኸይህሉዉ ሶማሊያ ሓቲታ ኣላ።

ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ግብጺ ተራ ክህሉዋ ምዃና ድሌት እኳ እንተለዋ፡ ኣብቲ ኢትዮጵያ ኣትሪራ እትቃወሞ ተበግሶ ግን ወታሃደራት ክትልእኽ እንተኾይና ዛጊት ኣይተንጸረን።