ኢትዮጵያዊያን ፍልልያቶም ብልዝብ ኣብ ምፍታሕ ከተኲሩ ኣመሪካ ፀዊዓ

ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ

ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረኣ ግጭት ብሰላም ክፍትሑ ፃዕራ ከም እትቕፅል ናይታ ሃገር ኣምባሳደር ፀዊዖም። ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ናይ ዩኤስኣይዲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ፕሮግራም ሓገዝ ንኢትዮጵያ መዛዘሚ መደብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ግጭታት ቁጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ከንቆልቁል ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዕንወት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክቕፅል ከም ዝገበረ ገሊፆም።

እቶም ግጭታት ካብ ዘስዓብዎም ጉድኣት ንምሕዋይ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝወስድ ምዃኑን ብምዝርራብ ሰላም ንምስፋን ምስራሕ ከም ዘድሊ እቶም ኣምባሳደር ወሲኾም ኣተሓሳሲቦም።