ኬንያ -- ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ኣብ መደቀሲ ተመሃሮ 17 ሞይቶም፡ 13 ቆሲሎም

ትርኢት እቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ባርዕ ሓዊ

ኣብ መደቀሲ ተመሃሮ ሓደ ቤ/ትምህርቲ ኬንያ ብሰንኪ ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ፡ 17 ተማሃሮ ሞይቶም፣ 13 ተመሃሮ ድማ ከም ዝቖሰሉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ኣሃዝ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ጠንቂ’ቲ ባርዕ ገና ኣብ ምጽራይ'ዩ ዘሎ።

ኣብ ጭንቂ ዝወደቁ ወለዲ’ቶም ተመሃሮ፣ ደቆም ኣብ መንጎ’ቶም ህሉዋት ክረኽብዎም ስለ ዘይከኣሉ፣ ኣብ ሓዘን ከም ዝርከቡ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዙሓት ኬንያዊያን ተመሃሮ፣ ኣብ ሓዳሪ ቤ/ትምህርቲ ኮይንካ ምምሃር፣ ነዊሕ ርሕቀት እናተመላለስካ ጊዜ ካብ ምብኻን የድሕን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ይጠቅስ እቲ ዜና። ኣብ ኬንያ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ባርዕ ሓዊ ዝውቱር ከምዝኾነ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

መብዛሕትኡ ጊዜ፡ መበገሲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሓሽሽ ብዝጥቀሙ ወይካኣ ብሰንኪ ምጽቕቓጥ ከም ዝፍጠር ዝዝከር እዩ።