ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ዳርጋ 6,200 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ፖሊስ ሎሚ ዓርቢ ምግላፁ ገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣፍሊጡ። ምጥፋእ ገበን ነቲ ሓዱሽ ናይ ጥምረት መንግስቲ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።
ሚኒስተር ፖሊስ ሰንዞ ምቹኑ 6,198 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ተቐቲሎም ኢሉ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተወምሳሳሊ እዋን ግን ብ 0.5 ሚእታዊት ወሪዱ ክብል ገሊፁ።
‘’እዞም ኣሃዛት እዚኦም ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ብድሆታት ይገጥመና ከምዘሎ ኣርዚንካ ዝርአ ዘሕዝን ታሪኽ ከም ዝኾነ እዩ ዝነግረና፡’’ ኢሉ ኣብ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣብ እዋን ሰላም ዝለዓለ ቅትለተ ዝፍፀመለን ሃገራት እያ። ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ፆታዊ ዓመፅ ብዝፍሓት ዝፍፀመላ ሃገር እውን እያ።
ኣብ ዝተፈለየ ኣጋጣሚ ድማ ፖሊስ ኣስታት ዓሰርተ ኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር ዘወፅእ ኮከይን ዝሓዙ ሓደ ሩሲያዊ ምስ ሓደ ደቡብ ኣፍሪካዊ ኣብ ቁፅፅር ምውዓሉ ገሊፁ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ግንቦት ዝተኻየደ ምርጫ ዝተመስረተ ብፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ዝምራሕ ሓድሽ ናይ ጥምረት መንግስቲ ገበን ቀንዲ ጉዳዩ እዩ።