ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ

Your browser doesn’t support HTML5

ኪሮስ ብርሃነ ፕሮፈሰር ባዮስታስቲክስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝነጥፈሉ ዓውዲ ሰፋሕቲ ምርምራት ካብ ዝገብሩ ተመራመርቲ’ዩ። እንተዀነ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ምርምራዊ ስራሑን ናይ ምምሃርንን ተራኡን፡ ኪሮስ ገና ተመሃራይ ካልኣይ ብርኪ እንከሎ ኣትሒዙ ግጥማታት ኣብ ምጽሓፍ’ዩ ዝርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ዘሕተማ “ወግዒ ምስ ብርዒ” እትብል መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር እምበኣር ንስነ-ጥባባዊ ጉዕዞኡ ኣመልኪታ ጋሽ ድምጺ ኣመሪካ ጌርናዮ ኣሎና።