ኣብ ቀረባ መዓልታት ሶማሊያ ካብ ግብጺ ሓገዝ ኣጽዋር ድሕሪ ምቕባላን ኣብታ ሃገር ብዝጸንሑ ብተልእኾ ኣትሚስ ዝፍለጡ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጻንሖቶም ንኸይናውሓሎም ድሕሪ ምሕታታን ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ምትፍናን ፈጢሩ ኣሎ። ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣቢላ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ከይዲ ናብ ሓደገኛ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ከኸትል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።
ድሕሪ ስምምዕ መዘከር እናሻሕከረ ክመጽእ ብዝጸንሐ ዝምጽና ኢትዮጵያን ሶማሊያን፡ ሶማሊያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ግብጺ ስምምዕ ምክልኻል ድሕሪ ምኽታማ ካልእ ኣንፈት ሒዙ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ዘብቅዕ ብኣትሚስ ዝብል ኣሕጽሮ ቃላት ዝፍለጥ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ምስ ወድአ፡ ሓድሽ ኣወዳድባ ኣሚማ ነይራ። ኣብቲ ኣውሶም (AUSSOM) ብዝብል ኣሕጽሮ ቃል ዝተጸውዐ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ድማ ግብጺ ኣካሉ ክትከውን ሶማል ትጠልብ።
እዚ ግን ብኢትዮጵያ ተቐባልነት የብሉን።
“ኢትዮጵያ ካልኦት ሓይልታት ኣብቲ ዞባ ንዘይምርርጋእ ተራ እናተጻወቱ ስቕ ኢላ ኣይክትርእን’ያ፡” ኢላ ኣጠንቂቓ ኣላ። ንግብጺ ግን ብስም ኣይተቐሰትን።
ኣብ መቓዲሾ መምህር ዩኒቨርስቲ ዝዀነ ፕሮፈሰር ኣይፋረ ኢልሚ፡ ኣብቲ ዞባ ኲናት ምውላዑ ዘይተርፎ’ዩ ይብል። “ኣብዚ ዞባ እንዕዘቦ ዘሎና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ምስ ጎረባብቲን ካልእ ዞባዊን ምትናን’ዩ። ብዙሓት ተዋሳእቲ ኣካላት ስለ ዘለዉ ድማ ቅልጡፍ መፍትሒ እንተ ዘይረኺቡ፡ ናብ ኲናት ምዕራጉ ዘይተርፎ ተርእዮ’ዩ፡” ይብል ፕሮፈሰር ኢልሚ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ፖለቲካዊ ተንታኒ ዶክተር በለጠ በላቸው፡ ብዅረት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ተልእኾ ንዝዓበየ ሕንፍሽፍሽ ክፍተት ዝፈጥር ምዃኑ ይምጉት፤ "ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዝተሓለለኸ ቅልውላው መሊሱ ክገድድ ዝኽእል ይመስለኒ። ከም ግብጺ፡ ቱርኪየ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ጽልዋአን ከስፍሓ ይጽዕራ ኣለዋ። ሶማሊያ ነቲ ጉዳይ በይና ክትፈትሖ ስለ ዘይትኽእል ድማ ኣብ ክንዲ መዋግኢ ባይታ እትኸውን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ኢትዮጵያ ኰይና ክትፈትሖ ዝበለጸ’ዩ።”
ዝምድና ኢትዮጵያን ሶማሊያን በብእዋኑ ክብ-ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ግን ናብ ዝደገሰ ምትፍናን’ዩ ኣትዩ።