ኢትዮጵያ --ንግዳያት ሓደጋ ትራፊክን ስድራኦምን ዝወሃብ መጠን ካሕሳ ኣመሓይሻ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ኢትዮጵያ፣ እቲ ቅድሚ ሎሚ ንግዳያት ሓደጋ ትራፊክን ስድረኦምን ዝወሃብ ዝነበረ ካሕሳ ከም ዝተመሓየሸ፡ ሚኒስተር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ሓዱሽ ደንቢ ዝተቐመጡ ምምሕያሻት፣ ካብ 40 ሽሕ ናብ 250 ሽሕ ብር ዝዓበየ ካሕሳ ህይወት ይርከቦም። ብሓደጋ ትራፊክ ንዝወርድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝኽፈል ካሕሳ እውን ብመሳሳሊ፣ ካብ 40 ሽሕ ናብ 250 ሽሕ ከምዝዓበየ ሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጦም ኣለዉ።