እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም መጥቃዕቲ ተሓይል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ምቕታላ ትሕብር

ምዕራባዊ ገማግም

እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም መጥቃዕታት ኣብ ዝቐጸልትሉ ብውሑዱ ሓሙሽተ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ምቕታላ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። ካብ መንጎኦም ላዕለዋይ ዞባዊ ኣዛዚ ሰራዊት ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። “ኣቡ-ሹጃ” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሓቀኛ ስሙ ግን መሕመድ ጃብር ዝብሃል ኣዛዚ ምቕታሉ ካብ ወገኑ ነቲ ዜና ኣረጋጊጾሞ ኣለዉ።

ኣብዚ ዝደሓረ መጥቃዕቲ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ብውሑዱ 16 ሲቪላውያን ፍልስጤማውያን’ውን ምቕታሎም እቲ ዜና ይሕብር።

ፍልስጤማውያን ነዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምዕራባዊ ገማግም፡ እስራኤል "ሰፈራታት ከተስፍሕ ምድላያ ዝሕብር'ዩ፡" ይብሉ።

ካብ ሰሉስ ኣትሒዙ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ዝተጋፍሐ ምጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ሓያሎ ወገናት ኩነኔ ኣስዒቡ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ፡ እስራኤል ንዓለማዊ ውዕላት ከትኽብር ጸዊዑ።

ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ፈለማ 1200 እስራኤላውያን ብሓማስ ክቕተሉን ኣስታት 250 ጅሆ ክወስዱን እንከለዉ፡ ዛጊት ልዕሊ 40-ሽሕ ፍልስጤማውያን ከም ዘተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር። ክሳብ ሕጂ 108 ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ገና ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓማስ’ዮም ዘለዉ።