ግብጺ ንሶማል ሓገዝ ኣጽዋር ሂባ፡ ምትፍናን ሶማልን ኢትዮጵያን ይሕይል

ስእሊ ፋይል

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንዲፕሎማስያውን ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ግብጺ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ንፈለማ እዋን ኣጽዋር ንሶማሊያ ሓጊዛ ኣላ።

እተን በበይኑ ኣጽዋራት ዝጸዓና ነፈርቲ ብሰሉስ’የን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ መቓዲሾ ነቲ ኣጽዋር ኣራጊፈን። ነቲ ሓበሬታ ንሮይተርስ ዘካፈለ ምንጪ፡ እቲ ተበግሶ ነቲ ዝጸንሐ ምትፍናን ሓዊ ዘባርዕ’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሶማል ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክትሰጉግ ምዃና ከተጥንቅቕ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣቐዲሙ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ክልተ ወገናት ን"ድሕሪት ተመሊሱ" ኢሉ ከሲሱ ኣሎ። መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ብስም ከይረቝሐ፡ መንግስቲ ሶማል ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ተሻሪኹ ነቲ ዞባ ክህውኽ ዝኽእል ስጉምታት ይወስድ ኣሎ ኢሉ። ካብ ወገን ሶማል ኣብዚ ጉዳይ ዝሰዓበ መገልጺ ዛጊት የሎን። ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ሶማል ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ'ውን ዛጊት ኣይቀንዖን።

ብመንጎኝነት ቱርኪየ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ርክብ ንሳልሳይ እብረ ንዝመጽእ ወርሒ ተቖጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ዝኽሰት ዘሎ።