ቀ/ሚ ኣቢይ ብተደጋጋሚ ባህርያዊ ሓደጋታት ሓዘኖም ይገልጹ፣ ውሕጅ ኣብ ዞባ ስልጤ 6,000 ዜጋታት የመዛብል

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ጎንደር ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርእየ ምምህማም መሬት

ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብዚ ወቕቲ ብሰንኪ ዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ዝናብን ንዕኡ ስዒቡ ህይወት ኣማኢት ዝወሰደ ምህማም መሬትን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ፡ ሕብረተሰብ ኣብ እዋን ጸብጸባ ንሓድሕዱ ክተሓገገዝ ጸዊዖም።

ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣብ ዘካፈሉዎ ጽሑፍ፡ ዝስዕብ ዘሎ ሓደጋ ብሰንኪ ንዓመታት ኣብ ኣተሓሕዛ ኣከባቢ ብሰንኪ ዝጸንሐ ሸለልትነት’ዩ ዝብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ሓምላይ ውርሻ ኣብ ምፍታኡ ክህሉዎ ዝኽእል ተስፋ’ውን ኣካፊሎም።

ኣብ ዝደሓረ ናይ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዞባ ስልጤን ናይ ማእከላይ ክልል፡ ብርቱዕ ውሕጅ ነቲ ዲጋ መሊኡ ስለ ዘፍሰሶ፡ ብውሑዱ ንኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዜጋታት ካብ መንበሪታቶም ንኽሃድሙ ድፍኢት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ወረዳታት ስልጢን ምብራቕ ስልጢን ኣስታት 12-ሽሕ ሄንክታር መሬት ዘራእቲ’ውን ምድምሳሱ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።