ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ

“ፒው” ዝተባሃለ ትካል ብመሰረት ዘሳለጦ መጽናዕቲ፣ እስያ ኣመሪካዊያን፡ ኣብዞም ዝሓለፉ 4 ዓመታት እቶም ኣብ ኣመሪካ ብዝሖም ብናህሪ ይውስኽ ዘሎ እናኾኑ ይመጹ ኣለዉ። ብብዝሒ ኤስያውያን-ኣመሪካዊያን ዝነብሩለን ክፍላተ ሃገራት ካሊፎርንያ፡ ኒውዮርክን ቴክሳስን እየን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኣስታት 60 ሚእታዊ ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ድምጾም ሂቦም እዮም። ፖለቲካዊ ነጠፈቲ ከም ዝብሉዎ ‘ምስ እስያ-ኣሜሪካዊያን ሓድሽ ጽምዶ ምፍጣርን ብዛዕባ መስርሕ ፖለቲካ ምስትምሃርን ተሳትፎ ዘግብሮም ውዳበ ንክገብሩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ።