ግዜያዊ ምምሕዳር ንዝሸሞም ቤት ጽሕፈት ህወሓት ይቃወሞም

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንዝሃቡዎ ሹመት ኣመሓደርቲ ዞባታት ብእኒ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት፡ “ግቡእ ኣሰራርሓ ዘይተኸተለ” ብምባል ከም ዘይቅበሎ ገሊፁ። ቤት ጽሕፈት ህወሓት ነቲ ዓርቢ ዝተዋህበ ሽመት ስዒቡ ኣብ ዝፅሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ስራሕ “ንህወሓት ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ፡” ክብል ፀዊዑዎ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክኢላታት ሕጊ ግን ነቲ ዝተፃሕፈ ደብዳብ’ዮም ዝነቕፉ።