ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ እንክዝከር

Your browser doesn’t support HTML5

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ካብ መስከረም 17 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ብዕለት 20 ነሓሰ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ሓሙስ 22 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ መቓብር ሓርበኛታት ኤርትራ ተቐቢሩ። ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ፡ “ሃገራይ ኤርትራ” ዝብላ ክልተ መጽሓፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዱ። እንተዀነ ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ።