ሕጸ ካማላ ሃሪስ ተኣምር’ዶ ወይስ ዕልዋ? ትንታነ

Your browser doesn’t support HTML5

ሕጸ ካማላ ሃሪስ ተኣምር’ዶ ወይስ ዕልዋ? ትንታነ

ሓሙስ ምሸት’ውን ኣብ ቺካጎ ዝተዛዘመ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ክልተ በበይኑ መርገጺ ዘለዎ ዜጋታት ሓደኦም ንቕድሚት ዝግስግስ ስጕምቲ ክብሎ እንከሎ፡ ብኻልእ “ወገን ግን ድምጺ ህዝቢ ዝሰረቐ ንቡር መስርሕ ዘይተኸተለ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ባይደን፡” ኢሉ ይምጕት። ንዘሎ ሕጽረታት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ብምጥቃስ፡ ካማላ ሃሪስ ፈጢራቶ ዘላ ለውጢ ግን ብፍሉይ ዘጥቅስ ምዃኑ ሳልሳይ ይምጕት።