ሽምግልና ቱርኪየ ንሶማልን ኢትዮጵያን -- መርኣያ ጽልዋ ቱርኪየ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሽምግልና ቱርኪ ንሶማልን ኢትዮጵያን -- መርኣያ ጽልዋ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ሚኒስተር ወጻኢ ቱርኪየ ሃካን ፊዳን ነቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ መንጎ ሚንስተራት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተኻየደ ካልኣይ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ሃናጺ ኔሩ ኢሉዎ - ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ትሽምግል ዘላ ቱርኪ፡ ኣብቲ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ’ዩ ይብሉ ተንተንቲ።