ኣብ ቺካጎ ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን ሓሙስ ምሸት፡ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ነቲ ብሰልፊ ዝቐረበላ ሕጸ ብወግዒ ብምቕባል፡ ተዛዚሙ ኣሎ።
“ኣብ ዓለም እታ ዝተኽብረት ሃገር ከም ሕጽይቲ ፕረዚደንት ኰይነ ንኽወዳደር ዘቕረብኩምለይ ሕጸ ድማ ብኣኽብሮት እቕበሎ፡” ኢላ ሃሪስ። ኣስዒባ ድማ “ናይ ሓደ ውሱን ሰልፊ ዘይኰነስ ንልዕልና ሕጊ ዘቕድምን ንደሞክራሲያዊ መትከላትን ዘቕድም መራሒት’የ ክኸውን ዝደሊ፡” ወሲኻ ካማላ ሃሪስ ኣብቲ ናይ ምቕባል መደረ።
ሓሙስ ምሸት ቅድሚ መደረ ካማላ ሃሪስ ሓያሎ ዕዱማት በበይኑ ቃል ኣስሚዖም’ዮም። ኣተኵሮ መደረታት ንጸጥታ፡ ውሕስነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዘረጋግጽን ብተደጋጋሚ ግዜ ዘጋጥም ጃምላዊ መቕተልቲ ተመሃሮ ዝዀንን፡ ንመሰል ናጽነት ምርጫ ዝጣበቕ’ዩ ነይሩ። ንሓያል ቍጽጽር ኣጽዋርን ምጽራይ ድሕረ ባይታን ቅድሚ ምግዛእ መሳርያን ዝጉስጉስን ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዓበይቲ ኣሕዛኒ ተራእዮታትን ምስክር ዘስምዑ ድማ በበእብረ ናብ መድረኽ እናደየቡ ምስክርነቶም ኣስሚዖም። ኣብ በበይኑ እዋናት ቍልፊ ቦታ ካብ ዝነበሮም ወይ ሕጂ’ውን ዘለዉ’ውን ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካን ዘንጸላሉ ኣሎ ዝበለዎ ስግኣታትን ኣካፊሎም። እቶም መድረኽ ዝሓዙ ዕዱማት ካማላ ሃሪስ ናብቲ ቦታ ምስ እትምረጽ ንኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝሓሸ ውሕስነት ክትህብ ምዃና’ዮም መጒቶም።
እንተኾነ ዶናልድ ትራምፕን ሰልፊ ርፓብሊካውያንን ንምምሕዳር ባይደን-ሃሪስን ንሳቶም ዝመርሑዎ ሰልፊን ኣብ በበይኑ ሃገራት ተወሊዑ ንዘሎ ግጭታት ቀዳሞት ተሓተትቲ ይገብሩዎም። ትራምፕ ካብቲ ኣብ በበይኑ መድረኻት፡ እንኮላይ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰሜን ካሮሊና ዝገበሮ ጎስጓስ’ውን ምምሕዳር ባይደን-ሃሪስ ኣብ “ድርክዂት ሳልሳይ ኲናት ዓለም ይመርሑና ኣለዉ፡” ኢሉ ነይሩ።
ኣብ መኽፈቲ ዘረባኣ ድሕሪ በዓልቤታ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስግናኣ ዝገለጸት ካማላ ሃሪስ፡ ፈለማ ብታሪኽ ኣደኣ ኣቢላ ንኣተዓባብያኣ’ያ ኣካፊላ። “ካብ ህንዲ ዝመጽአት ኣደን ካብ ጃማውካ ዝመጽአ ኣቦን ድማ ኣብ ኣመሪካ ሓዳር መስሪቶም ዘሕጉስ እዋን የሕልፍና፡” ትብል ሃሪስ፡ ቅድሚ ምፍልላዮም። ብእኡ ኣቢላ’ውን ካብ ሓደ ትሑት ወይ ማእከላይ መነባብሮ ዝነበሮም ስድራ--ብቐንዱ ድማ ኣደኣ--ድማ ንዝበዝሐ ኣመሪካዊ ዛንታ ስድራቤታት ከተርኢ ፈቲና።
ኣብ ናይ ሓሙሽ ምሸት መደረ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ሃሪስ፡ ንውልቃዊ ዛንታኣ ብምንጋር’ያ፡ ምስ ኣድመጽቲ ክትራኸብን ክትተኣሳሰርን ፈቲና። ከም ኣኽባሪት ሕጊ ዝነበራ እዋናት ክትገልጽ እንከላ ድማ “ኣብ ልዕሊ ሓደና ዝተፈጸመ በደል ኣብ ልዕሊ ኵሉና ከም ዝተገብረ ክንሓስቦ ኣድላዪ’ዩ፡” ኢላ። ሃሪስ ደጋጊማ፡ “ናይቲን ናይዚን ዝብል ሰብ ኣይኰንኩን። ኣነ ናይ ህዝቢን’የ፡” ኢላ።
ሃሪስ ኣብ መድረኣ፡ ትራምፕ ናብ ቤተ-መንግስቲ ደጊሙ እንተ ተመሪጹ፡ “ዝዓበየ ሓደጋ’ዩ፡” ኢላ፡ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝነበረ ኣድማ ደገፍቱ ብምጥቃስ። ካልእ ትራምፕ ገይሩዋ ዝበለቶ ጥፍኣት’ውን ዘርዚራ ነይራ።
እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ብግደኡ፡ ሃሪስን ባይደንን ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልዋልው መሪሖም ንህይወት ኣመሪካውያን ኣብ ዝኸፍአ ብርኩ ኣውሪዶሞ ምህላዎም ይምጉት።