ዞባ ወሎ -- ካብ ምሃማም መሬት ንምድሓን 400 ሰባት ግዒዞም

ፋይል -- ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ምሃምም መሬት ዝተወስደ ስእሊ

ኣብ ደሴን ተሁለደሬን ዞባ ወሎ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምህማም መሬትን ሓደጋን ልዕሊ 400 ሰባት ካብ ከባቢኦም ተፈናቒሎም ኣብ ጊዚያዊ መጽለሊ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ከተማን ትሕተ ቅርጽን ደሴ፡ ነቶም ሓደጋ ዘጋጠሞምን ተቓላዕቲን፣ ኣብ መባእታዊ ቤ/ትምህርቲ ደረቅ ወይራ ኣስፊሩዎም ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ተሁለደሬ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምህማም መሬን ሓደጋን፣ ኣብ ልዕሊ 15 ትርብዒት መሬት ጉድኣት ምውራዱን፣ ዘራእቲ፣ ዓበይቲ ኣግራባትን፣ መጋሃጫን ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ከምዝኾነ፣ ቤት ጽሕፈት ግብርና’ቲ ከባቢ ንቪኦኤ ሓቢሩ።

እቶም ግዳያት ግና ናብ ዝለዓለ ጸገም ተቃሊዕና ኣለና ይብሉ።