ቲም ዎልዝ ሕጸኦም ብወግዒ ዝተቐበልሉ ጉባኤ ደሞክራሲያውያን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣማሓዳሪ ሚኒሶታ ቲም ዎልዝ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መዓልቲ ሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን ምኽትል ፕረዚደንት ንምዃን ኣብ ዝግበር ውድድር ተቐቢሎም። ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተን ኣብቲ ምሽት ኣዝዮም ትፅቢት ካብ መንጎ ዝተገበረሎም ተዛረብቲ ሓደ እዮም ነይሮም። ክሊንተን ንዝሓለፉ 52 ዓመታት ካብ ዋዕላ እቲ ፓርቲ ኣይበዀሩን።