ዋሽንግተን ዲሲ —
ቦትስዋና፡ ኣብ ሓደ ስፍራ ዕደና፡ ኣዝዩ ዝዓበየ በዓል 2,492 ካራት ኣልማዝ ከም ዝተረኸበ ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ቦትስዋና ከምዝበሎ ‘እቲ በዓል 2,492 ካራት ኣልማዝ፣ ኣብ ታሪኽ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ርኽበት ኣልማዝ እዩ’ ይብል።
ኩባንያ ዕደና ካናዳ ‘ሉካራ ዳይመንድ ኮርፕ’ ብወገኑ ‘እቲ ዘይተኾለዐ ኣልማዝ፣ ኣብ’ቲ ካሮዌ’ ዝተባሃለ ስፍራ ዕደና ቦትስዋና ከምዝረኸቦ ጠቒሱ ኣሎ። እንተኾነ፡ ደረጃ’ቲ ኣልማዝ፣ እቲ ዝበለጸ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ንጹር መልሲ ዛጊድ ኣይተረኸቦን።
ቅድሚ ልዕሊ 100 ዓመታት፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተረኸበ ዝዓበየ ኣልማዝ፣ እዚ ናይ ቦትስዋና ርኽበት ካልኣይ ዝዓበየ ኣልማዝ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።