ኤምፖክስ ለበዳ’ዶ ወይስ ግዜያዊ ሻቕሎት? ብዓይኒ ሞያዊ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤምፖክስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዛራረቢ ኰይኑ ዘሎ ሕማም’ዩ። ንምዃኑ እዚ ሕማም ንኸም በዓል ኮቪድ ዝኣመሰሉ ለበዳ ናይ ምዃን ዓቕሙ ከመይ ይመስል? ኣገባብ ኣተሓላልፋኡን መከላኸሊኡን’ከ ወዘተ ንዝብሉ ሕቶታት ንኸብርሃልና ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣዘራሪብና ኣሎና። ዶ/ር ዳውድ ስራጅ ካብ ኣመሪካ ከተማ ማድሰን ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ውስከንሰን ፕሮፌሰር ክፍሊ ሕክምናን ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን’ዩ።