በዓል ኣሸንዳ -- ንሓጐስ ንፍቕሪ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዋልድ ትግራይ ዳርጋ ንዓመት ምሉእ ዝጽበየኦን ሓያሎ ነጋድያን ካብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ ዘሳትፍን በዓል ኣሸንዳ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ ኣሎ። ድሕሪ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ሰለሎን እምበኣር ደቀንስትዮ ናብ ዳግመ ሕውየት ዝምለሳሉ፡ ዝርኣያሉን ዝጽብቓሉን ኣጋጣሚ’ዩ።