ማእዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግብታት ኣብ ገደና

ቀጽሪ ኤክስፖ ኣስመራ

ካብ 10 ክሳብ 18 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ቀጽሪ ኤክስፖ ተኸፊቱ ኣብ ዝቐነየ ፌስቲቫል ኤርትራ 2024፡ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎ ምርኢትን መሸጣ ባዛርን ቀሪቦም ነይሮም።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒ/ሕርሻ ኤርትራ ብዝቖመ ማሕበር ሕርሻዊ ንግዲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ማ.ሕ.ደ.ኤ) ዝቐረበ ምርኢት ዝተመስርሑ መኣዛዊ መግብታት ድማ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ’ቲ ዓመታዊ ፌስቲቫል ዝቐረቡ ትሕዝቶታት’ዮም።

እዘን ኣብዚ ምርኢት ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብውልቅን ብጉጅለን ኣብ ንግዳዊ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተዋፊረን ናብራአን ዝመርሓ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ኮይነን፡ ንባህርያዊ ትሕዝቶ ሕርሻዊ ፍርያት ብምምስራሕን ክብሪ ዋጋ ብምውሳኽን ዘዳለወኦ ዝተፈላለየ መኣዛዊ መግብታት እየን ንምርኢት ኣቕሪበን። ምሉእ ትሕዝቶ ንምክትታል ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ሰዓቡ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሃብታም ዝትሕዝቶኡ ቀረባት ኣብ ቀረባ፡ ሰኣን ግንዛበ