ሃብታም ዝትሕዝቶኡ ቀረባት ኣብ ቀረባ፡ ሰኣን ግንዛበ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ 10 ክሳብ 18 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ቀጽሪ ኤክስፖ ተኸፊቱ ኣብ ዝቐነየ ፌስቲቫል ኤርትራ 2024፡ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎ ምርኢትን መሸጣ ባዛርን ቀሪቦም ነይሮም። ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒ/ሕርሻ ኤርትራ ብዝቖመ ማሕበር ሕርሻዊ ንግዲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ማ.ሕ.ደ.ኤ) ዝቐረበ ምርኢት ዝተመስርሑ መኣዛዊ መግብታት ድማ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ’ቲ ዓመታዊ ፌስቲቫል ዝቐረቡ ትሕዝቶታት’ዮም።