ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ካብ መስከረም 17 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ከም ዝዓረፈ ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብቕሉዕ ዝነቕፋ፡ “ሃገራይ ኤርትራ” ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ። እንተዀነ ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ።

ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዳይረክተር ማክሮፖሊሲ ኤርትራ ዝነበረ ብርሃነ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ክሳብ 2012 ሚኒስተር ፋይናንስ ኰይኑ ዘገልገለ’ዩ። ሚኒስተር ብርሃነ ኣብተን መጽሓፍቱ ጠቒሱዎ ከም ዝነበረ፡ ኣብ 2011 ንቝጠባዊ ምሕደራን ምቕራሐ ጸጋታትን ከምኡ’ውን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ በበይኖም ጉዳያት ምምሕያሽ ክግበሮ፡ ናብ ካልኦት ሚኒስተራት ሓዊሱ ንድፊ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ ምስ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሮ ዝምድና ሓርፊፉን ጸኒሑ ድማ ካብ ስራሕ ምእላይ ኣስዒቡን።

ብ1945 ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ብርሃነ፡ ድሒሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ቀዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ 1972 ካብ ዩኒቨርስቲ ኢልኖይ ብዓውዲ ሲቪል ኢንጂነሪንግ ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ከም ዝቐሰመ መዛግብቲ ታሪኽ ህይወቱ የነጽሩ።

ኣብ 1975 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ቅድሚን ድሕሪን ናጽነት ኤርትራ ኣብ በበይኖም መዝነታት ኣገልግጊሉ’ዩ።

ምስ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ዝጸንሖ ዝምድና እናሓርፈፈ ክመጽእ ዝጸንሐ ሚኒስተር ብርሃነ፡ ንሱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንከሎ’ውን ብድምጺ መሊኡ ድሒሩ ኣብ ናይ ደገ መራኸቢታት ከም ዝተቓልሐ፡ ነቲ ብቕሉዕ ዝነቕፎ ዝነበረ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክፉት መድረኽ ክካትዖ’ውን ዓዲሙ ነይሩ።

ዛጊት ብመንግስቲ ኤርትራ ንማእሰርቱ ኰነ ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ክሳብ ዜና ዕረፍቱ ዝተባህለ የሎን።