ጋዜጣዊ መግለፂ ዶ/ር ደብረፅዮን ድሕሪ ጉባኤ

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህወሓት ዘለዎ ውክልና ጠሚቱ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ኣብቲ ክልል ምስ እቲ ምምሕዳር ዝመስረቱ ኣካላትን ክንዝቲ ኢና ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል። ዶክተር ደብረፅዮን ሎሚ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ "ኣብቲ ጉባኤ ህወሓት ክትድሕን ዝገብር ስራሕ ተፈፂሙ" ኢሎም። "ነቲ ጉባኤ ዝተቓወሙ ኣመራርሓ ናብቲ ጉባኤ ኣትዮም ሓሳብ ክህቡ ተፀዊዖም ኣይቀረቡን፡" ዝበሉ እቶም ኣቦ-መንበር ህወሓት፡ "ድሕሪ ሐዚ ምስዞም ሰባት ተፈላሊና በቢ ገፅና ንህዝብና ከመይ ምስራሕ ንኽእል ዝብል ዘተ ጥራሕ ኢና ክነካይድ ንኽእል፡" ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሓዊሱ ኣብ ቀረባ እዋን ብጉባኤ ካብቲ ውድብ ብዛዕባ ዝተሰጎጉ ኣባላትን ምስቲ ውድብ ዝህሉዎም ዝምድናን ተሓቲቶም ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ድማ፤"ኣብቲ ምምሕዳር ብጉያ ጉያ ሰብ ንምትካእ ኣይንሰርሕን፡" ኢሎም።

ብቐፃሊ ግን ህወሓት ኣብቲ ምምሕዳር ዝህልዎ ብፅሒት ጠሚቱ ምስ መንግስቲ ፌደራል፣ ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልል፣ ምሁራንን ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ምምሕዳር ብብሕታውነት ይሳተፍ ምስ ዘሎ ተቓዋሚ ውድብ ባይቶና ከምዝዝትዩ ኣፍሊጦም።

ካብቲ ውድብ ኣብቲ ጉባኤ ዝተኣገዱ ኣመራርሓ ህወሓት ነቲ ውድብ ኣይውክሉን ድማ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 11 ነሓሰ 2016 ዓመተ-ምህረት ንማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ነቲ ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ ህወሓት "ስልጣን ጊዜያዊ ምምሕዳ ክቆፃፀሩ ዝደልዩን እንተዘይሰሚርሎም ድማ ጎንፂ ክፈጥሩ ዝደልዩ እዮም" ክብሉ ከሲሶም ምንባሮም ይዝከር።