ዋሽንግተን ዲሲ —
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቓዛ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ፃዕሮም ከየዕወቱ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘካየዱዎ ዳሕረዋይ ዑደቶም ምዝዛሞም ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢሩ። ሓማስን እስራኤልን እቲ ብድሆ ገና ምዃኑ ምልክት ድሕሪ ምሃቦም ብሊንከን ‘’ግዜ ኣገዳሲ እዩ’’ ክብሉ ትማሊ ሰሉስ ኣጠንቂቖም።
ምስ ሰበስልጣን ኣላዘብቲ ዝኾና ግብፅን ቀጠርን ድሕሪ ምርኻቦም ብሊንኪን፡ "እስራኤል ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ንዝቐረበ ንድፊ ስለ ዝተቐበለት ብተመሳሳሊ ኩሉ ዝክኣል ክግብር እቲ ትኹረት ናብ ሓማስ ዘይሩ ኣሎ፡" ኢሎም።
ክልቲኦም ወገናት እቲ ስምምዕ ኣብ ቦታኡ ክህሉ መታን ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት ምስምምዖም እቶም ኣዛተይቲ ከረጋግፁ ኣለዎ።