ሰሉስ ምሸት ኣብ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን ቺካጎ

  • ዜና ቪኦኤ

ዋዕላ ቺካጎ

ሎሚ ሰሉስ ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን፡ ሓያሎ ኣመሓደርቲ ክፍለ-ሃገራት ንካማላ ሃሪስ ምስ ብጻያ ቲም ዎልዝ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም።

ካማላ ሃሪስ’ውን ሰሉስ ምሸት ዊስኮንሲን ኣብ ወፍሪ ጎስጓስ ጉባኤ ቃል ኣስሚዓ ነይራ። “ምስኻትኩም ምስ ኣመሪካውያን ኰይነ ናይ ሓባር ቍጠባ ክሃንጽ’የ ዝደሊ። ዕላማይ ነቶም ሃብታማት ዘይኰነስ ናብቶም ሰራሕተኛታት ዝዓለመን ንዓኣቶም ንምሕጋዝን’ዩ፡” ኢላ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ካማላ ሃሪስ ዳርጋ ንዘይወግዓዊ ምቕባል ሕጸ ሰልፊ ደሞክራሲውያን ኣብ ዝተቐበለትሉ።

ሃሪስ ምስ መቀናቕንታ ዶናልድ ትራምፕ ብምንጽጻር ንሳ ናብ ዝለዓለ ቦታ ምስ እትመጽእ ክትገብሮ እትሕልን ካልእ መሰረታዊ ቍጠባዊ መደባትን’ውን ብሓጺር ኣካፊላ። ነቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮን ዝለዓለ ኣታዊን ዘለዎም ኣመሪካውይን ግብሪ ብምጕድላ ከም ዘተባብዕ ንዶላንድ ትራምፕ ዝነቐፈተ ሃሪስ፡ ምምሕዳራ ግን ነቶም ድኻታትን ዝበዝሑ ስድራቤታት ኣመሪካን ክሕግዝ ከም ዝሕልን ኣመልኪታ።

ካማላ ሃሪስ ሰሉስ ምሸት ዊስኮሰን

ሰሉስ ምሸት ኣብ ጉባኤ ቺካጎ መደረ ካብ ዘስምዑ መራሒ ኣብዝሓ ሰነት ቻክ ሹመርን ሰነተር በርኒ ሳንደርስን ይርከቡዎም።

“ፖለቲካዊ ድሌት እንተልዩ፡ መንግስቲ መብጽዓታት ህዝቢ ከብጽሕ ይኽእል’ዩ፡ ኣባል ሰነት በርኒ ሳንደርስ። ቀጺሉ እቲ ንባይደን ዓቢ ድጋፍ ሂቡ ዝነበረ ሰነተር፡ “እቲ ናይ መጨረሽታ መዐቀኒ፡ ኣብ ልዕሊ ንዘለዉ ቢልዮነራት ዘርብሕ ዘይኰነስ ኣብ ታሕቲ ንዅሉ ዝሓቍፍን ዘሳትፍን ቍጠባዊ መርሓ የድየልና፡” ኢሉ።

ካብ መንጎ’ቶም ሓያሎ ናይ ሰሉስ ምሸት መድረኽ ሒዞም ተመኵሮኦምን ደጋፎንን ዘስምዑ ድማ በዓል ቤት ካማላ ሃሪስ ዝዀነ ዳግ ኤምሆፍ ይርከቦም።