ቺካጎ —
ፕረሲደንት ጆ ባይደን ንኻልኣይ ምርጫ ከም ዘይወዳደር ድሕሪ ምፍላጡ ድሕሪ ወርሒ፡ ትማሊ ሰኑይ ንሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን መደረ ኣስሚዑ ኔሩ። እታ ሽግ ናብ ካመላ ሃሪስ ከሰጋግራን ናይቲ ፓርቲ ሕጽይቲ ኮይና ክትቀርብን ዘለዎ ድልየት'ውን ተዛሪቡ።
ባይደን ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ፓርቱ ዝተገብረ ናይ ምጽራይ ውድድር ዝበድሆ ሰብ ኣይነበረን። ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ እዞም ኣብዚ ዋዕላ ዝነበሩ 4 ሺሕ ዝኾኑ ተወከልቲ ክፍለሃገራት፡ ንባይደን ሕጹይ ጌሮም ክስይምዎ ተዳልዮም እዮም ኔሮም።
ናይ ባይደን ካልኣይ ዘይምውድዳር ውሳነ ምስ ርፓብሊካዊ ሕጹይ ካብ ዝገበሮ ክትዕ `ዩ ዝጅምር። እቲ ወዲ 81 ዓመት ባይደን ኣብቲ ምስ ትራምፕ ዝገበሮ ክትዕ፡ ድኹም ብቕዓት ድሕሪ ምርኣዩ፡ ሰባት ብዛዕባ ናይ ኣእምሮ ጥዕንኡ ከይተረፈ ክሓቱ ጀሚሮም።
ድሕሪኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተፈተነ ቅንጸላ ኔሩ- ንሱ ድማ ኣብ ርእይቶ ህዝቢ ንትራምፕ ዝያዳ ንቕድሚት ደፊእዎ፡-
ድሕሪ `ቲ ክትዕ ውን ንሰሙናት ዝኣክል ባይደን ኣብቲ ምርጫ ክጸንሕ`የ ይብል ኔሩዩ -- ወላ'ውን ንኽወርድ መራሕቲ ፓርቱ ብውልቂ ይነግርዎ እንተነበሩ።