ዋሽንግተን ዲሲ —
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ኣብ ቓዛ ብዛዕባ ተኽእሎታት ምቍራጽ ተጻብኦ ንምዝርራብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ካይሮ ምርኻቦም እቶም ፕረዚደንት ግብጺ ገሊጾም።
ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኲናት ቓዛ ክትሓስቦ ብዘጸገም መንገዲ ዞባዊ ኮይኑ ናይ ምግፍሑ ተኽእሎ ዘሎ ሓደጋ ኣጠንቂቖም። "ምቍራጽ ተጻብኦ ቃዛ መጀመርታ'ቲ ዝገፍሐን ብደረጃ ዓለም ንፍልስጤማውያን ከም ሃገረ ኣፍልጦ ናይ ምሃብን ንምርግጋእ እቲ ዞባ መሰረት ዝኾነ ፍታሕት ትግባረ'ቲ ክልተ መንግስታት ዝብል ክኸውን ኣለዎ፡" ክብሉ'ዉን ኣልሲሲ ወሲኾም።
ብሊንከን ንተኽእሎታት ምቍራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታትን ንምዝርራብን ምዕባለታት ንምክትታልን'ዩ ናብ ካይሮ ዝተጓዕዙ -- ጸብጻብ ትካል ዜና ሮይተርስ።