ብሊንከን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ግጭት እስራኤልን ሓማስን ይጽውዕ

  • ዜና ቪኦኤ

ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ንታሽዓይ ግዜ ናብ እስራኤል ዝበጽሕ ዘሎ ብሊንከን

ዳሕራዋይ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ንምምላስ ጅሆ ዝተታሕዙን ምብቃዕ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ናይ መወዳእታ ዕድል ዝህብ`ዩ ኢሉ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ።

ኣብ ቴልኣቪቭ ምስ ፕረሲደንት ኣይዛክ ሀርዞግ ቅድሚ ምርኻቡ ንጋዜጠኛታት ዝተዛረበ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ "እዚ ወሳኒ ግዜ እዩ፡ ክንትግብሮ ዘለና ጉዳይ`ዩ፡" ኢሉ። “ነቲ ግጭት ምንህሃር ኮነ ምትኹቷኽ ኣየድልን፡" ዝበለ ብሊንከን፡ ነቲ ግጭት ናብ ዝሰፍሐ ከባቢን ናብ ዝጸዓቐ ደረጃን ዝወስድ ስጉምቲ ከይውሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ብሊንከን ድሕሪኡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር በንጃምን ነተንያሁ ተራኺቡ ነይሩ። እቲ ግጭት ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ 7 ካብ ዝጅመር፡ እቲ ሚንስተር ወጻኢ ኣመሪካ፡ እስራኤል ክበጽሕ እዚ ን 9ይ ግዚኡ`ዩ።

ሕጂ ግን ህጹጽነት ናይ`ቲ ጉዳይ ዝድፍኣሉ ዘሎ፡ እቲ ግጭት ናብ ካልእ ከባብታት`ቲ ዞባ ከይሰፍሕ`ዩ። መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየ ኣብ ቴህራን ካብ ዝቕንጸል ንድሓር፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ከም ትፈዲ ከተሰምዕ ጸኒሓ`ላ። እስራኤል ነቲ ቅንጸላ ኣይፈጸምኩዎን እያ ትብል።