ዋሺንግተን ዲሲ —
ብምኽንያት ሎሚ ሰኑይ 19 ነሓሰ ተዘኪሩ ዝውዕል ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ንዝወርድ መጥቃዕቲ ደው ክብል ጸዊዑ። ዝሓለፈት ዓመተ-2023፡ ኣብ ምሉእ ዓለም 280 ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተቐትሉላ ዝኸፍአት ዓመት ከም ዝነበረት ዘመልከተ ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ናይ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ቅትለት ሰራሕተኛታት ረዲኤት እናተለምደ ምምጻኡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ ኢሉ።
ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ውሃብቲ ኣገልግሎት ምስ ምግፋሕ ኲናት እቲ ዝኸፍአ ምንባሩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ኣብ መንጎ እስራኤል ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት 163 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ክቐትል እንከሎ፡ ኣብዚ ምድብ ካልኣይ ሒዛ ኣብ ዘላ ደቡብ ሱዳን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 25 ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተቐትሉላ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር።
ሸውዓተ ኣህጉራዊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተቐትሉላ ኢትዮጵያ’ውን ኣብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ሃገራት ተሰሪዓ ከም ዘላ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣመልኪቱ።