መዘከር ጋዜጠኛ ብርሃነ ገብረትንሳኤ -- ሚ/ር በራኺ፡ ቢተወደድን ካልእን

Your browser doesn’t support HTML5

ነባር ጋዜጠኛ ብርሃነ ገብረትሳኤ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ’ዩ ዝነብር ዘሎ። ኣብ 2022 “ቅናት” እትብል፡ ንኣበርክቶ ደቀንስትዮ እትገልጽ መጽሓፍ ዘሕተመ ብርሃነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ “ብርሃን ኣብ ጸልማት” እትብል መዘከር የሕቲሙ'ሎ። መጽሓፍ “ብርሃን ኣብ ጸልማት፡” ነቲ ካብ ኣዝዮም ስኡነት ግን ከኣ ምሉእ ፍቕሪ ዝለገሱ ስድራቤት ተወሊዱ፣ ኣብ ሓያሎ ውረድ-ደይብ ኤርትራዊ ጕዕዞ ናይ ቀረባ ተሳታፊ ዝነበረ ጋዜጠኛ ብርሃነ ውልቃዊ መዝገብ’ያ።