ዋሽንግተን ዲሲ —
ናብ መሬት ሩስያ ዝዀነ ዞባ ኩርስክ ዝኣተዉ ሰራዊት ምክልኻል ዩክሬን፡ እቲ ዝገበሩዎ መጥቃዕቲ “ምእንቲ ሰላም’ዩ” ኢሎም ብምጽዋዕ ኣብቲ ቦታ ክጸንሑ ድሌት ከም ዘይብሎም ገሊጾም።
ናይ ሰሉስ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ዩክሬን፡ ኪንዮ መሬቶም ናብ ሩስያ ኣትዮም ልዕሊ 20 ከተማታትን ዓድታትን ክሕዙ ናይ ፈለማ እዋን’ዩ።
ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዩክሬን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ንቦታታት ሩስያ ንምቍጽጻርን ንምጽናሕን ሕልሚ ከም ዘይብላ ብምጥቃስ፡ “እንተዀነ ነቲ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ክትገብር ግን ምኽኑዩ’ዩ ነይሩ፡” ኢሉ።
ሰራዊት ምክልኻል ዩክሬን ኣብ መሬት ሩስያ ኣስታት ሓደ ሽሕ ትርብዒት ኪሎ-ሜተር ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ። ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ ድማ ኣስታት 120-ሽሕ ሩስያውያን ካብቲ ቦታ ሃዲሞም ኣለዉ።
ሩስያ ጸኒሓ ብዝገበረቶ መልሰ-መጥቃዕቲ ገለ ካብቲ ተታሒዙ ዝነበረ ቦታታት ኣምሊሳ’ያ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ዩክሬን ምስ ሃገራት ምዕራብ ተሻሪኻ መጥቃዕቲ ፈንያ ኢሉ። እቲ ሚኒስትሪ ግን ኣብ ዝርዝር ከይኣተወ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዘብርዓኖ ሓቢሩ ኣሎ።