ዋሽንግተን ዲሲ —
ስራሕ ንምቝጻር ዘገልግል መንግስታዊ ኮታ ከብቅዕ ዝሓትት፡ ንሰሙናት ዝቐጸለ ጎነጻዊ ሰለማዊ ስልፊ ስዒቡ፡ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ባንግላደሽ ሼኽ ሓሲና ሎሚ ሰኑይ ካብ መዝነታ ለቒቓ። ኣብቲ ሓያል ተቓውሞ፡ ን14 ኣባላት ፖሊስ ሓዊሱ ትማሊ ሰንበት ጥራይ ብድምሩ 95 ዜጋታት ተቐቲሎም። እቲ ድማ ካብ ዝጅምር ንደሓር ድማ ልዕሊ 11-ሽሕ ምእሳሮም ኣሶሸትድ ፕረስ ይሕብር።
ትማሊ ሰንበት ምስ መራሕቲ ተቓውሞ ተራኺባ መፍትሒ ከተናዲ ምዃኑ ክትሕብር ዝጸንሐት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ መራሕቲ ተቓውሞ ግን ኣብ ክንዲ ምስኣቶም ምዝርራብ፡ ካብ መዝነታ ክትለቅቕ’ዮም ሓቲቶም።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓያሎ ምንጫታት ብምውካስ ከም ዘስፈሮ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ምስ ሓብታ ወታሃደራዊት ሄሊኮፕተር ተሰቒለን ናብ ህንዲ ቀኒዐን ኣለዋ።
ንምልቃቕ ስልጣን እታ ቀደመይቲ ሚኒስተር ዝገለጸ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምዕራፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓላፍነት ተረኪቡ ከተሃዳድእ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ሼክ ሓሲና፡ ነታ 160 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ንባንግላደሽ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝመርሐትን ንኣርባዕተ እብረ ምርጫ ብገፊሕ ዝሰዓረትን’ያ።