ዋሽንግተን ዲሲ —
መራሒ ጉጅለ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ንቓለ-ማሕላ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ምቕንጻሉ እቲ ጉጅለ ኣፍሊጡ።
መራኸቢታት ኢራን ከም ዝጸብጸብኦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣጋ-ወጋሕታ፡ ኣብቲ ሃኒየ ዝነበረሉ ናይ ቅድም ወታሃደራት ኢራን ዝቕመጡሉ ከተማ ቴህራን’ዩ ተኻዪዱ።
ሬሳ ኢብራሂም ሃኒየ ናብ ቐጠር ንዓርቢ ቅድሚ ምልኣኹ፡ ኣብ ኢራን ናይ ሓዘን ስነ-ስርዓት ክግበረሉ’ዩ።
ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኮሞኒ "እስራኤል ከቢድ ዋጋ ክትከፍለሉ'ያ፡" ኢሉ።
ወሃብ-ቃል ጉጅለ ሓማስ ሳሚ ዓብዱ ዙህሪ፡ ቅንጸላ መራሒኦም ነቲ ጉጅለ ከም ዘይጸልዎ ገሊጹ። ሃኒየ ኣብ 2019 ንወሽመጥ ቓዛ ገዲፉ ኣብ ስደት ንቐጠር’ዩ ኣምሪሑ ጸኒሑ።