ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣስታት ሽውዓተ ሽሕ ኣትለታት ዓለም ዝተረኽቡሉ ኦሎምፒክ ፓሪስ ሎሚ ኣማስያኡ ተኸፊቱ።
ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ ኣብ ክንዲ ኣብ ዕጹው ስታድዮም ኣብ ደገን ደንደስ ፈለግን ክጽንበል ፈለማኡ’ዩ። ናብቲ ደንደስ ሴን ዝጥምት ንመዓዛቢ ዝተዳለወ ስፍራ 300-ሽሕ ህዝቢ ብቐረባ ክከታተሉዎ እንከለዉ፡ ካልኦት 200-ሽሕ ዝበጽሑ ድማ ካብ ናሕሲ ህንጻታት ፓሪስ ኰይኖም ተዓዚቦም ኣለዉ።
መኽፈቲ መደብ ዝተፈልየ ክኸውን ዝተገብረ ልዑል ጻዕሪ ማዕረ ዝነበሮ ሕልሚ’ውን ዕንቃፋታት ኣጓኒፉዎ ኣሎ። መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ንምዕዛብ ናብቲ ቦታ ጽንብል ንምእታው ኣዝዩ ነዊሕ መስርዕ ስለ ዝነበረ ንሰዓታት ክጽበዩ ተገዲዶም። ዝናብ’ውን ይሃርም ስለ ዝነበረ ተሳተፍቲን ኣትለታትን መዕቀሊ ጎማ ተሸፊኖም ኣብቲ ጽንብል ክሳተፉ ይርኣዩ ነይሮም።
ኣቐዲሙ ኣብ መጓዓዝያ ባቡር ዘጋጠመ ሓደጋ’ውን ካብቲ ንኣዳለውቲን ተሳተፍቲን ኣሻቒሉ ዝወዓለ’ዩ።
ነቲ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ዝሕልዉ 45-ሽሕ ሓይሊ ፖሊስ፡ 10-ሽሕ ወታሃደራትን 22-ሽሕ ኣባልት ጸጥታን ምስታፎም ተሓቢሩ።