መበል 17 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ -- ቢንያም ግርማይ መሪሕነት ነጥቡ ኣደልዲሉ

Cycling Tour de France

177.8 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መበል 17 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ብዓወት ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካርፓዛ ክዛዘም እንከሎ፡ ካልኣይ እንግሊዛዊ ስይሞን ዪትስ፡ ሳልሳይ ድማ ስጳኛዊ ኤሪክ ማስ ክዛዘም እንከሎ ቢንያም ግርማይ’ውን መሪሕነት ነጥቡ ኣደልዲሉ ኣሎ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ መበል 16 መድረኽ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኩነታቱ ተመሓዪሹ ኣብ ናይ ሎሚ መበል 17 መድረኽ ተሳቲፉ ውዒሉ። ኣብ መንጎ ኣብ ዝነበረት ቅጽበታዊት ውድድር፡ ቢንያም ነቲ ኣብ ቀጠልያ ማልያ፡ ብውህሉል ነጥቢ ዝስዕቦ ዘሎ በልጅማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን ቀዲሙ፡ ንፍልልያቶም ብሓንቲ ነጥቢ ኣስፊሑ። ኣብቲ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዲሞም ዝነበሩ ጉጅለ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ተራ ክማቐሉዎ እንከለዉ፡ ኣብታ ካልኣይቲን ተጠማቲትን ጉጅለ ግን ቢንያም ነቲ ዕዉት ናይ ትማሊ መድረኽ ዝዀነ ፊሊፕሰን ቀዲሙ ብምእታው 11 ነጥቢ ረኺቡ። ኩነታቱ ኣብ ርጉእ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ መድረኽ 17 ብሰላም ውድድሩ ዝዛዘመ ቢንያም፡ ብውህሉል ነጥቢ 387 ክመርሕ እንከሎ፡ ንዕኡ ዝኽተሎ ዘሎ በልጂማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን ድማ ብ33 ነጥቢ ድሒሩ ብ354 ነጥቢ ይስዕብ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ ሎሚ መበል 17 መድረኽ፡ ነዚ ውድድር ብሓፈሻዊ ናይ ግዜ ስርርዕን ብጫ ማልያን ታደይ ፖጋቻ ይመርሖ ኣሎ። ፖካጋቻ ብተመሳሳሊ ንኣንበሳ ዓቐብ እትውሃብ ማልያ'ውን ኣብ ዝባኑ'ያ ዘላ። ናይ ነጥቢ ቀጣልያ ማልያ ምስ ቢንያም፡ ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ድማ ኣብ ዝብን ኢቨንፖል ይርከባ። ብጋንታ ነዚ ውድድር ዓብሊላ ዘላ ኢማራትስ'ያ።