መበል 16 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፤ ቢንያም ግርማይ ሓደጋ መውደቕቲ ኣጋጢሙዎ፡ ፊሊፕሰን ተዓዊቱ

ቀጣልያ ማልያ ዓቂቡ ዘሎ ቢንያም

ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ በልጅማዊ ያስፐር ፍሊፕሰን ነቲ መድረኽ ክዕወት እንከሎ፡ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ከኣ ብደቂ ጋንታኡ ተሓጊዙ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ድሕሪ'ቲ ውጽኢት መርመራን ፈላሚ ሕክምናን ቢንያም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብርኩን ኵርናዕ ኢዱን ከም ዝተሃርመን መስፈይቲ'ውን ከም ዘለዎን ጠቒሱ። እንተዀነ ሓሳባቱ ክሳብ መወዳእታ ብሰላም ነቲ ውድድር ክዛዝሞ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። ቢንያም ኣብ መግለጺኡ፡ ሕጂ ብመጠኑ ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ጽባሕ ዝያዳ ግንዛበ ክህሉዎ ምዃኑ ነጊሩ። ናይ ማልያ ከይሓሰበ ውድድሩ ብሰላም ንምዝዛም ከም ዝሓልም'ውን ቢንያም ኣብሪሁ ኣሎ።

ቢንያም ድሒሩ ኣብ ዝተገብረሉ ሕክምናዊ መርመራ መስበርቲ ከም ዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ንናይ ጽባሕ ውድድር ድሉው ከም ዘሎ ጋንታኡ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ዓቢ ናይ ነጥቢ ብልጫ ዘንበረ ፊሊፕሰን ነቲ ብ376 ነጥቢ ዝመርሕ ዘሎ ቢንያም ብ32 ነጥቢ ድሒሩ ብ344 ነጥቢ ንቐጣልያ ማልያ ይስዕብ ኣሎ።

ፊሊፕሰን’ውን ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቢንያም ኣብ ጥዑይ ኩነታት ክህሉ ሰናይ ትምኒቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ኣብ መወዳእታ ከምዚ ዝመስል ሓደጋ ከጋጣሞ ዘይግባእ’ዩ፡” ኢሉ።

ናይ ሎሚ 188.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መድረኽ፡ ካብቲ ቢንያም ክዕወተሉ ወይ ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግበሉ ትጽቢት ተገሩሉ ዝነበረ መድረኻት ሓደ'ዩ።