ቢንያም ብናይ መበል 12 መድረኽ ዓወት 'ሃትሪክ' ሰሪሑ

ቢንያም ግርማይ ሎሚ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ቀዳማይ ወጺኡ። ኣብዚ 203.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መብዛሕትኡ ጎልጎል ዝዀነ ውድድር ንቢንያም ስዒቦም በልጂማዊ ዎት ቫንኣርት ካልኣይ፡ ፓስካል ኣከርማን ሳልሳይ (ፈረንሳዊ ኣሮንላድ ደማር ድሒሩ ብዝተገብረ ውሳነ ተርታኡ ተመንጢሉ'ዩ) ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ።

ናይ ሎሚ ሓዊሱ ቢንያም ንሰለተ መድረኻት ቀዳማይ ክወጽኦ እንከሎ፡ ኣብ ክልተ ድማ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ልሚ ዓቢ ዓወት ቢንያም ነታ ለቢሱዋ ዝቐነየ ቀጠልያ ማልያ ዳርጋ ዘውሓሳ ይመስል። ብ328 ውህሉል ነጥቢ ድማ ነዚ ውድድር ይመርሖ ኣሎ። ድሕሪ ቢንያም፡ ብነጥቢ ዝስዕብ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰን 221 ነጥቢ'ዩ ኣዋህሊሉ ዘሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ቀዲሞም ኣብ ተርታ ዝኣተወኡ ደማርን ማርክ ካቫንዲሽን ብኮሚተ ስለ ዝተቐጽዑ ፈለማ ዘመዝገቡዎ ተራ ተመንጢሎም ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ያስፐር ፊሊፕሰን ኣብ ናይ ሎሚ መድረኽ ተርታኡ ናብ ራብዓይ ተለዊጡ ኣሎ።

ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ናብዚ ዘብጽሖ ኣምላኽ ብምምስጋን፡ ደቂ-ጋንታኡ ዝገበሩዎ ዘለዎ ዓቢ ኣስተዋጽኦ'ውን ንኢዱ። ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣብ ዝቀራረቡሉ ዝነበሩ እዋን ቢንያም ንደቂ ጋንታኡ ጽቡቕ ይስምዖ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኣብቲ ናይ ጋንታኡ መዘራረቢ ረድዮ፡ "ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ኵሉኻትኩም ንእሽቶ ጥራይ ሓግዙኒ እምበር ክዕወት'የ' ኢለዮም፡" ይብል። ካብ ሎሚ ንደሓር ድማ ኣብ ዝቕጽል ቅጽበታዊ ውድድር ምስ ምሉእ ምትእምማን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሎሚ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ምውዳቕ ስለ ዝነበረ ንብዙሓት ተቐዳደምቲ ጎዲኡ'ዩ። ቢንያም'ውን በቲ መውደቕቲ ከም ዝተሰናበደ ብምግላጽ፡ ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ከባቢ 600 ሜትሮ ምስ ተረፎ ወዲ-ጋንታኡ (ማይክ) ኣሰንዩ ናብ ቅድሚት ከም ዘምጽኦን ድሕሪኡ ድማ ንምዕዋቱ ምሉእ ምትእምማን ከም ዝወሰኸሉን ቢንያም ሓቢሩ።

ዕዉት ሰለስተ መድረኻት ዝዀነ ቢንያም፡ ንነብሱ፡ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ፡ ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪቃን ሓድሽ ክብረ-ወሰን ምዃኑ'ዩ።