ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ቢንያም ካልኣይ ኣትዩ፡ ቀጠልያ ማልያ ዓቂቡ

ቢንያም ምስታ ለቢሱዋ ዝኣተወን ዝዓቀባን ቀጣልያ ማልያኡ

ሎሚ ኣብ ዝወዓለ--163.5 ኪሎሜተር ዝሸፈነ--ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ብዓወት ኔዘርላንዳዊ ደይላን ግሬንወገን ክዛዘም እንከሎ፡ ኤርትራዊ ተሰላፊ ጋንታ ኢንተርማሸ ቢንያም ግርማይ ድማ ካልኣይ ወጺኡ ኣሎ። ኣቐዲሙ ጃስፐር ፊልፕሰን ካልኣይ ምንባሩ ተሓቢሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ዳሕራይ ግን ኣካየድቲ ውድድር ነቲ ተርታ ቀዪሮሞ ንጋቬራ ሳልይሳይ ሰሪዖሞ ኣለዉ። ፊሊፕሰን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ንኻልእ ተቐዳዳማይ ዓጽዩን መስመር መስመር ቀዪሩን ብምባል'ዩ ኮሚተ ውድድር ንተርታኡ ሰሪዙ።

ኣብ ናይ ሎሚ ቅድበታዊ ውድድር ዓባይ ጉጅለ ብሓባር ንዛዛሚ ሕንጻጽ ድሕሪ ምጉያያ፡ ናይ መጨረሽታ ኣዝዩ ተቐራራቢ ዝመስል ውጽኢት ብፎቶ-ፊኒሽ'ዩ ዕዉታት ምፍላይ ተኻኢሉ።

ናብዚ ውድድር ናይ ሓፈሻዊ ስርርዕ መሪሕነት ቀጠልያ ማልያ ለቢሱ ዝኣተወ ቢንያም፡ ድሕሪ ናይ ሎሚ ናይ መድረኽ ሳልሳይ ደረጃ ዓወቱ’ውን ብ149 ነጥቢ ይመርሕ ኣሎ። ድሕሪ ዓወት ሻዱሻይ መድረኽ፡ ቢንያም ኣብዚ ሓፈሻዊ ነጥቢ ብድሕሪኡ ንዝስዕቦ ዘሎ ፔደርሰን ብ38 ነጥቢ ይቕድሞ።

ቅድሚ ዛዛሚ ሕንጻጽ ኣብ መንጎ ኣብ ዝተኻየደ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ፊሊፕሰን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ቢንያም ድማ ተኸቲሉ ካልኣይ ኣትዩ'ዩ።

ክሳብ ናይ ሎሚ ሻዱሻይ መድረኽ ስሎቫንያዊ ታደይ ፓጋቻር መሪሑ ብጫል ማልያ ሒዙ ኣሎ። ኣብዚ ውድድር ኖርወጃዊ ዮናስ ኣብርሃምሰን ናይ ዓቐብ ማልያ ክለብስ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ ቀጠልያ፡ ኢቫንፖልስ ድማ ጻዕዳ ማልያ ከም ናይ ትማሊ ኩላቶም ዓቂቦም ኣለዉ።

ቢንያም ኣቐዲሙ ኣብ ሓደ መደረኽ ክዕወት ቀዳማይ ሕልሙ ምንባሩ ኣመልኪቱ ነይሩ’ዩ። ሎሚ ድሕሪ ምልባስን ምዕቃብን ቀጠልያ ማልያ ድማ፡ “ኣብ ፈለማ ቀጠልያ ማልያ ንምልባስ ሕልመይ ኣይነበረን። ሕጂ ግን 100% ርጉጽ ኰይኑ ኣሎ፡” ኢሉ።

ትማሊ ዝበዝሐ መድረኻት ብምዕዋት ክብረ-ወሰን ዝሰበረ ማርክ ካቨንዲሽ፡ ቢንያም ካብ ብቖልዓኡ ዝጥምቶ ብሉጽ ተቐዳዳሚ ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነታ ምልክት ሓያል ቅጽበታዊ ውድድርን ብርታዐን ዝዀነት እሞ ንነዊሕ እዋን ብካቨንዲሽ እትልበስ ዝነበረት ቀጣልያ ማልያ ለቢሱ ናብዚ ውድድር ምእታዉ ፍሉይ ስምዒት ከም ዝፍጥረሉ ሓቢሩ። ካቨንዲሽ 35 መድረኻት ብምዕዋት ኣብ ታሪኽ ዙር ፈረንሳይ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ ኣሎ።