ኤርትራ 33 ዓመታት ናጽነታ ትዝክር’ዶ ወይስ ትጽንብል?

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራ 33 ዓመታት ናጽነታ ትዝክር’ዶ ወይስ ትጽንብል?

ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ብናጽነት መላእ ኤርትራ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኤርትራ ንዝሓለፉ 33 ዓመታት ብነብሳ ክትመሓደር ክኢላን ኣኽኢላን’ያ። ነቲ መሪር መስዋእቲ ዝተኽፈልሉ ቃልሲ ንናጽነት እምበኣር ማዕረ’ቲ መብጻዓኡን ዝተቓለሰሉን ዕላማ ክንደይ ናብኡ ቀሪቡ ወይ ተፈንቲቱ ይርከብ ንምዝርራብ ክልተ ኣጋዪሽ ዓዲምና ኣሎና። ክልተኦም ኣጋይሽና ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ካብ ኣመሪካን ዳኒኤል ገብረስላሴ ጋርዛ ካብ ዓዲ እንግሊዝን’ዮም። ሊንጎ ኣብ ግዜ ቃልሲ ፍሉጥ መራሕ መደብ ዝነበረ ክልተ መጻሕፍቲ`ውን ዝጸሓፈን ስነ-ጥበበኛ ኰይኑ፡ ዳኒኤል ድማ ሓላፊ ቤት ትምህርቲ መኮነናት ኤርትራ ዝነበረ’ዩ።