ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ታስክ፡ ሩስያ ካብ ኣፍሪቃ ስደተኛታት ብምግዓዝ ምስ ኤውሮጳ ዘዋስን ዶባታ ንምዕጻውን ብእኡ ኣቢላ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ቅልዋልው ንምፍጣር ትፍንን ኣላ ክብል ከሲሱ።
ፖላንድን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ኣቐዲሙ ብተመሳሳሊ መስርሕ ንቤላሩስ ክኸስስ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን እቲ ኣገባብ ብሩስያ ይስሓሉ ከም ዘሎ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝውንጅል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ፡ ካብቶም ሩስያ ነቲ ኣገባብ እትጥቀመሎም ዜጋታት ብቐንዱ ካብ ሶማል፡ ኤርትራ፡ የመን፡ ኢትዮጵያ ምዃኖም ዘርዚሩ። እቶም ስደተኛታት ብመንገዲ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰት ዓረባዊት ሃገር ኣቢሎም ንሩስያ ምስ ኣተዉ፡ በቲ ብመንገዲ ስደተኛታት ናይ ምዕልቕላቕን ምርባሽን መደብ ድማ ንፖላንድ ከም ዝሳገሩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይኸስስ። ካብቶም ንፖላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው ዝፍትኑ 90% ናይ ሩስያ ቪዛ ከም ዘለዎም ዝጠቐሰ ቀዳማይ ሚኒስተርስ ዶናልድ ታስክ፡ ሃገሩ ምስ ሩስያን ቤላሩስን ንዘዋስን ዶባት ንምዕጻው ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ባጀት ከም ዝሰልዐት ገሊጹ።
ፖላንድ ኣብ 2002 ምስ ቤላሩስ ንዘዳውብ፡ 186 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ ዶባት፡ ካብ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ሓሙሽተ ሜትሮ ዝነውሓቱ ሓጹር ሰሪሓ’ያ። ሕጂ ድማ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ናብ ዶብ ሩስያ ከተስፍሖ መዲባ ኣላ።